ሰውራ ትኽሎ
Tigrinya
Akedir Ahmedin
ጸሓፊ፥ ንጕጊ ዋ ትያንጎ
ትርጕም፥ ኣኸደር ኣሕመዲን
ኣብ ጥንታዊ መዋእል፡ ወዲ-ሰብ ልክዕ ከምቶም ካልኦት እንስሳታት ብኣርባዕተ መሓውሩ ይኸይድ ነበረ ይበሃል፣ ካብ ነብሪ፡ እራብን ማንቲለን ከኣ ይቕልጥፍ ነበረ። እዞም መንቀሳቐሲኡ ዝዀኑ ኣእዳውን ኣእጋርን ዝያዳ ካብቶም ካልኦት ክፍለ-ኣካላት ሰብ ተመሳሳልነት ዘለዎም እዮም። መላግቦታቶም፡ መንኵብን ምሕዅልቲን፡ ብርኪ-ኢድን ብርኪ-እግሪን፡ ጉምቦ-ኢድን ዓንካሪቶን፡ ኣእዳውን ኣእጋርን ነፍስወከፎም ሓሙሽተ ጸፋራት ኣጻብዕቶምን ካብቲ ዘመሳስሎም እዩ። ብተወሳኺ እዞም ኣጻብዕቲ – ኣብ ኢድን እግርን – ካብ ዓባይቶ ክሳብ ሕንጥቢቶ’ውን ተመሳሳሊ ኣቃውማ ነበሮም። ኣብቲ እዋናት’ቲ ዓባይቶ ናይ ኢድ ልክዕ ከምቶም ኣጻብዕቲ እግሪ ምስ ኣሓታ ልግብቲ እያ ዝነበረት። በዚ ምኽንያታት’ዚ ከይኰነ ኣይተርፍን ድማ፡ ኣእዳውን ኣእጋርን ንሓድሕዶም ኣመና ዝቀራረቡን ከም መቕርብ ዝረኣኣዩን ዝነበሩ።
እዞም ህዋሳት ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም፡ ብፍቕርን ሓድነትን ንምሉእ ኣካል ሰብ ብምስካም ናብ ዝደለዮ ዕዳጋ፡ በረኻ፡ ገረብ፡ ጎቦ . . . ንሓያለ ዓመታት ኣጓዓዓዙዎ። ኣብ ምድሪ ጥራይ’ውን ዘይኰነ ኣብ ማይ’ውን ሰብ ከም ዝደለዮ ክሕንብስ፡ ከንሳፍፍ ወይ ክጠልቕ ብሓባር ተገዚኦሞ እዮም። ርክቦም ድማ ፍትሓውን ማዕርነታውያን ነበረ። ካብ ካልኦት ክፍለ-ኣካላት ሰብ’ውን ዝደለዩዎ ኣገልግሎት ሓቲቶም ይጥቀሙ፣ ንኣብነት፡ ምዝራብ ካብ ኣፍ፡ ምስማዕ ካብ እዝኒ፡ ምሽታት ካብ ኣፍንጫ፡ ምርኣይ ካብ ዓይኒ. . . እናተገልገሉ፡ ዕማሞም የሳልጡ ነበሩ።
እንተዀነ፡ እዚ ስሙርን ኣበር ኣልቦን ዝነበረ ሓድነቶም፡ ንኻልኦት ክፍለ-ኣካላት ከቕንኦምን ክተናኾሉዎም ዝገብርን ደኣ ኰነ። እዞም ቅንኢ ዝሓደሮም ክፍለ-ኣካላት ነዞም ዝፋተዉ መቕርብ ብነናይ ገዛእርእሶም ፍሉይ ክእለታት ከም ዘገልግሉዎም ምግባሮም ከጣዕሶም ጀመረ። ብቕንእን ጽልእን ዓዊሮም ድማ፡ ኣንጻሮም ተንኮል ክፍሕሱ ድቃስ ሰኣኑ።
ወያ ለውላው መልሓስ ድማ፡ እቲ ነዚ ሓድነት ዝሓቍን ኣብ ሓንጎል ዝተወጠነ ውዲት ከተቃልሕ ተጓየየት። “መንኦም እዩ ዝያዳ ኣገዳሲ? ናይ መን ኣበርክቶ እዩ ብቝዕን ዝያዳ ሚዛን ዝወሃቦን?” እናበለት ንተዛማዲ ዓቕሚ ናይዞም መሓውር ኣብ ሕቶ ዘእቱ ዘረባታት እናልዓለት ነገር ከተሳውር ላዕልን ታሕትን በለት። እቶም፡ ብዛዕባ ህላወ ይዅን ኣበርክቶ ካልኦት ክፍለ-ኣካላት ምንም ዘይግድሶም ዝነበረ መሓውር፡ ግርህነቶም ኣጥፊኦም፡ “ኣነ’ባ ደኣ ኣነ!” እናበሉ ኣብ ንሓድሕዶም ክከራኸሩ ጀመሩ። እዚ ድማ ብኡ ንብኡ፡ ናብ ጉዳይ ክብሪ ተጠምዘዘ። ኣእዳው በተን ምልሙላት ነዋሕቲ ኣጻብዕተን እናተሓበና፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሓጸርትን ክርኩማትን ኣጻብዕቲ እግሪ ምንሻው ጀመራ። ኣእጋር’ውን ስቕ ኢሎም ክሰምዑ ኣይደለዩን፡ ኣብ ዘረባ ምእንቲ ከይርትዑ፡ ብዛዕባ ቅጥንን ተነቃፍነትን ኣጽብዕቲ እናላገጹ፡ ንጽባቐኦምን ሓይሎምን ተታዕኒኖም መደሩሉ። መሳኪን መሓውር መበገሲኡ ብዙሕ ከየስተብሃሉ ምትፍናኖም ንመዓልታት ቀጸሉዎ’ሞ፡ ነቲ ግሩም ዝነበረ ተሓባቢርካ ናይ ምስራሕ ክእለቶም ቀስ ብቐስ ጸለዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሕቶ፡ ናይ ‘መን ዓብለለ?’ መልክዕ ክሕዝ ስለ ዝጀመረ፡ ንሽምግልና ናብቶም ካልኦት ክፍለ-ኣካላት ተመርሐ።
ኵሎም ክፍለ-ኣካላት ነዚ ጉዳይ ክዝትዩሉ ኢሎም ምስ ተኣከቡ፡ ሓሳባት ብመገዲ መልሓስ ኣቢሉ’ዩ ዝተሰምዐ። መልሓስ፣ “ኣብ መንጎኦም ቅልስ ይካየድ’ሞ ሰዓሪ ብቐሊሉ ይፍለ፡” ዝብል ሓሳብ ቀዲማ ኣቕረበት። እቲ ሓሳብ ደገፍ ብዙሓት’ኳ እንተረኸበ፡ “እንታይ ዓይነት ቅልስ?” ዝብል ሕቶ ከኣ ኣዋጣሪ ኰነ። ገለኣቶም ጕስጢ ክብሉ እንከለዉ፡ ገለኣቶም ብዋልታን ጭማራን ዝግበር ከምዚ ናይ ኲናት ዓይነት ቅልስ ክካየድ ሓሳብ ሃቡ። ሕልኮ፡ ኣኹድር ዝኣመሰለ ቅልስ ክካየድ ዝበሉ’ውን ነበሩ። እንተዀነ፡ ነፍስወከፍ ዝተኣመመ ቅልስ ምስ ተገምገመ፡ ንሓደ ዝምችእ ነቲ ካልእ ዘግድዕ ዘይርትዓዊ ምዃኑ ተፈልጠ። ኣብ መወዳእታ ግን መልሓስ ካብ ሓንጎል ሓሳብ ተለቂሓ ፡ “ተኸራኸርቲ ባዕላቶም ሓሓደ ግድል ሒዞም ይቕረቡ፡” ዝብል ውሳነ፡ ቦታን መዓልቲን ቆሪጻ ደምደመት። ኢድን እግር ድማ ተሰማምዑ።
መዓልቲ ኣኺሉ፡ ነቲ ዓብይን ወሳንን ቅልስ ንምዕዛብ፡ ኵሉ ናብቲ ቦታ ቅልስ ክኸውን ዝተወሰነ ዓብይ ሩባ ዝሓልፎ ጫካ ኣምርሐ። ኵሎም ክፍለ-ኣካላት፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ክወርድ ዝኽእል ሓደጋታት ይዅን ክኽሰት ዝኽእል ሓድሽ ነገራት ንምቍጽጻር ኣብ ተጠንቀቕ ነበሩ። በዚ ከኣ ኣብ ውሽጣዊ ቃልሲ ተጸምዱ። ኣዒንቲ ክሳብ’ቲ ዝደቐቐ ካብ ቀረባን ርሑቕን ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ንምርኣይ፡ ኣርሒቐንን ኣስፊሐንን ከቋምታ ጀመራ። ኣእዛን ብወገነን ንተመሳሳሊ ዕማም፡ ንሓሸሽ’ውን ንምጽንጻን ኵር በላ። ኣፍንጫ’ውን ብኣዒንቲ ዘይተራእየ፡ ብኣእዛን ዘይተሰምዐ ሸቲቱ ንምፍላይ ፊን-ፊን በለ። መልሓስ ከኣ ኣብ እዋን ሓደጋ ህጹጽ ረድኤት ንምርካብ ምእንቲ ወጪጫ ከተቃልሕን ንዅሉ ከተስምዕን ካብ ሰፈራ እትው ውጽእ ትብል ነበረት።
ንፋስ፡ ንወረ ናይቲ ቅልስ ናብ ኣርባዕተ ማእዝን ናይቲ ጫካ፡ ከምኡ’ውን ናብ ማይን ኣየርን በተኖ። ካብ ተዓዘብቲ፡ እቶም ኣርባዕተ ዝመሓውሮም እንስሳታት ቀዲሞም ኣርከቡ። እቶም ገዘፍቲ እንስሳታት፡ ብሰላም ከም ዝመጽኡን ቦታኦም ከም ዝሓዙን ንምሕባር ካብ ኣግራብ ሰሰሊዖም ዝሓዙዎ ኣቝጽልቲ እናኣወዛወዙ ሰላምታ ሃቡ። እቲ፡ እንበሳ፡ ነብሪ፡ ሓርገጽ፡ ሓርሽ፡ ዝብኢ፡ ሓርማዝ፡ ዘራፍ፡ ገመል፡ ከብቲ፡ ዓጋዘን፡ እራብ፡ ማንቲለ፡ ሙጹጹላይ፡ ኣንጭዋን ካልኦትን ዝተኣከቡሉ ጎልጎል ሕብራዊ ግርማ ለበሰ። ክልተ ዝኣእጋረን ኣዕዋፍ፡ ሰገን፡ ዑፍ-ጥዋስ… ብውዕዉዕ ስምዒት ኣኽናፈን እናኣወዛወዛ ምምጽአን ሓበራ። ጭቝጩቝታ ጨራሩ ካብቲ ኣግራብ ተሰምዐ፡ ዕንጭራር ብዘይምቍራጽ ጭጭ በለት። ሳሬት፡ ዓራዛዝነ፡ ዕንቅርቢት ዝኣመሰሉ’ውን፡ ኣብቲ ኣግራብ እናተንፋሓኹ ቦታኦም ኣጣጥሑ። ነፋሒቶ፡ ብህድኣትን ብጥንቃቐን ክትጓዓዝ እንከላ፡ ጠበቕ ኣብ ሓደ ቦታ ምርጋእ ስኢኑ ናብዝን ናብትን ኣዕለበጠ። ህበይ፡ ወዓግ፡ ጋውና ካብ ሓደ ገረብ ናብቲ ካልእ እናነጠሩ ነዊሕ ተጓዒዞም ኣብ መወዳእታ፡ ንምርኢት ዝምችኦም ቦታ ሒዞም ጸጥ በሉ።
ኣብ ቅድመ-ምጅማር እቲ ቅልስ፡ እዚ ዝስዕብ መዝሙር ካብ ኣፍ ተቓልሐ፤
ንሓጐስና እንዳኣሉ
ንሓጐስና እንዳኣሉ
ንሓጐስና እንዳኣሉ
እቲ ምንታይሲ ኵሉ
ስለ ምዃኑ
ሓደ ፍጥረቱ።
ኣእድውን ኣእጋርን፡ ንውጽኢት ናይቲ ቅልስ፡ ብዘይዝዀነ ይዅን ቅድመ-ኵነት፡ ምዕዝምዛም፡ ቁጥዐ፡ ንሓድሕድካ ምውንጃልን ምጥቕቓዕን ነጺሆም ብምሉእ ልቢ ንክቕበሉዎ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣኩብ ተዓዛቢ ቃለ-ማሕላ ፈጸሙ።
ብዝተገብረ ዕጫ፡ ኣእዳው ጀመርቲ ኰይነን ሓሲበናኦ ዝመጽኣ ቅልስ ወይ ግድል ከፍልጣ ተሓተታ። “ቁራጽ ዕንጸይቲ ናብ መሬት ምድርባይ፡” ዝብል ምዃኑ ከኣ ኣፍለጣ። ብመሰረት መምርሒ ናይቲ ዝቐረበ ግድል፡ ነታ ዝወደቐት ዕንጸይቲ የማናይ ይዅን ጸጋማይ እግሪ ወይ’ውን ክልተኦም ብሓባር፡ ብግቡእ ኣልዒሎም ዝተወሰነ ርሕቀት ክስንድውዋ ዝብል እዩ። ክልተኦም ኣእጋር ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝተዋህቦም ግዜ ክመኻኸሩ ይኽእሉ፣ ኣጻብዕቶም’ውን ብእኵብ ይዅን በብሓደ፡ ንዝተዋህቦም ግድል ንምፍጻም ይጥዕመና’ዩ ብዝበሉዎ መገዲ ክጥቀሙሎም ከም ዝፍቀድ ተነግረ።
ኣእጋር ነታ ዕንጸይቲ ከልዕሉዋ ፈተኑ። እንተዀነ ዝፈተኑ እንተፈተኑ፡ ዝገበሩ ውህደት እንተገበሩ ብግቡእ ከልዕልዋን ክቈጻጸሩዋን ኣጸገሞም። ድሕሪ ዝገበሩዎ ምምኽኻር ከኣ ኣብ መወዳእታ፡ ንምንቅስቓሳ ዝሓሸ ኣገባብ’ዩ ኢሎም ብዝሓሰብዎ ኣማራጺ ቀሊዖም ዝተወሰነ ርሕቀት ኣንቀሳቐሱዋ። ነዚ ዝረኣያ ኣጻብዕ ኢድ ከኣ፡ ብመገዲ ኣፍ ኣቢለን ካርካር ኢለን ናይ ልበን ብምስሓቕ ሕጫጨአን ገለጻ።
ኣእዳው ተውዛሕዛሕ እናበላ፡ ነቲ ቅጥንጥን ዝበለ ቅርጸንን ዝተፈላለየ ምውህሃደንን እናርኣያ፡ ነታ ዕንጸይቲ ኣልዓላኣ። ኣርሒቐን ናብቲ ጫካ ብምስንዳው ከኣ ካብ መቀናቕንተን ይዅን ካብ ተዓዛብቲ ዓብይ ኣድናቘት ረኸባ። ብዘይካ’ዚ ካልእ መሳጢ ክእለታት’ውን ኣርኣያ፣ ምልቃም ንኣዝያ ደቃቕ ጸጸር ካብ ዓይኒ-ዓተር፡ ምስሉኽላዅ መርፍእ ኣብ ውሽጢ ዓለባ፡ ምንቅስቓስ ዓብይ ዕንጸይቲ ብንእሽቶ ፑሊ ምስራሕን ምውርዋርን ጭማራ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣጻብዕቲ እግሪ ክሓስቡዎ’ውን ዘይክእሉ ግብርታትን ምንቅስቓሳትን ኣርኣያ። ኣእጋር ኮፍ ኢሎም ነዚ ውሕልነትን ምትዕጽጻፍን ናይዘን ጎራሓት መቕርቦም ክዕዘቡ ጥራይ ዝኽእሉ ነበሩ። ኵለን ኣእዳው ተዓዘብቲ፡ ንተወዳደርቲ ኣእዳው ዘለወን ደገፍ ንምግላጽ ነጎዳ ዝጥዕም ጣቕዒት ኣንጎድጎዳኦ። እዚ ከኣ ንኣእጋር ዓብይ ቍጥዐ ፈጠረሎም። እቲ ዝረኣዩዎ ተስፋ ዘቝርጽ’ኳ እንተ መሰለ ፡ ኣይጃጀዉን። ብወገኖም ከዐውተና ይኽእል’ዩ ዝበሉዎ ግድል ሒዞም ቀረቡ።
ግድሎም ክገልጹ ምስ ተፈቕደሎም፡ ዝፈዀሰ ምዃኑ ኣፍለጡ። እዚ ከኣ ኣእዳው ንበይነን ንምሉእ ኣካል ሰብ ተሰኪመን ኣብ ሓደ ክቢ ከዝራኦ ዝብል ነበረ። “እንታይ ዝበለ ፈንጤጋር ግድል ደኣሉ እዚኸ?” ብምባል ኣእዳው ጕሪምሪም በላ። እቲ ኵነታት ዘስሕቕ ነበረ። ብመሰረት’ቲ ግድል ኵሉ ክፍለ-ኣካላት ተገላበጠ። ኣእዳው መሬት ሓዛ፣ ኣዒንቲ ናብ ምድሪ ቀረቡ’ሞ፡ ኵርናዕ ጠመተኦም ጸበበ። ኣፍንጫ ደሮና ኣትዩዎ ህንጥሸው ኰነ፡ ኣእጋር ንላዕሊ ኣንቃዕሪረን ጠልጠል በላ። ተዓዘብቲ ወጨጩ፡ ከምዚ እናበሉ ድማ ዘመሩ፤
ንያዮ ንያዮ ጁ
ሃኩና ማታታ
ፉዋታ ንያዮ
ሃኩና ማታታ
ትሩከኒ ኣንጋኒ
እንተዀነ፡ ኣድህቦኦም ናብ ኢድን እግርን ነበረ። እቶም ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ክእመን ዘይክእል ክእለት ዘርእያ ዝነበራ ህዋሳት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ልዅስስ-ልዅስስ ኢለን ስድሪ’ውን ትዅን ምስጓም ሰኣና። ኣእዳው ብቓንዛ ዝኣክል ‘ፊቕ!’ ኢለን ኣምሪረን በኸያ። ምኽኣል ስለ ዝሰኣና ድማ ረድረድ ብምባል ንኣካል ራዕ ክብል ፈነዋኦ። ቍሩብ ኣዕሪፈን ድማ ካልኣይ ፈተነ ገበራ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ “ሓይሊ እንተ ረኸብና!” ብምባል ምእንቲ ከጣጥሓ ተዘራጊሐን መሬት ሓዛ። ዓባይ-ዓባይቶ ጥራይ ከኣ ኣመና ተፈንቲታ ተዘርግሐት።ሽዕኡ’ውን ምኽኣል ሰኣና። ኣብ መወዳእታ መዅረር’ኳ እንተ ተጠቕማ፡ ኣብ ትግባረኡ ግን ንኣእጋር’ውን ስለ ዘሓወስ፡ ተሰረዘ። ኣእጋር ከኣ ብግደኦም ክስሕቁ ጀመሩ። ጭደራኦም ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተሰምዐ ወጫጪ ድምጺ ኣእዳው ንምፍላይ ርጕድ ዝበለ ቃና ተጠቒሞም ታሕጓሶም ገለጹ። ነዚ ዝሰምዓ ኣእዳው፡ ብሕርቃን ጣዕ ክብላ ደለያ። ሓንቲ ናይ መወዳእታን ቀቢጸ-ተስፋን ፈተነ ኣካየዳ’ሞ ሓንቲ ስጕምቲ’ውን ክስጕማ ኣይከኣላን። ረሸሽ ኢሉወን ከኣ ኣቋረጻ። ኣእጋር ድማ ነቲ ኣትለቲካዊ ክእለቶም ንምርኣይ ዕድል ተዋህቦም’ሞ ተሓጐሱ። ንኣካል ጸይሮምን ከየውደቑን፡ ዘብዘብ፡ ጕያ፡ ዝላ ልዕለትን ርሕቀትን ዓይነታት ምርኢት ኣቕረቡ። ኵሎም ኣእጋር ተዓዘብቲ ከኣ ደገፎም ንምግላጽ ብሓባር ንመሬት ደሰቑዎ። ነዚ ዝተዓዘባ ኣእዳው ካብ ስፖርታዊ ጭውነት ወጻኢ ምዃኑ ብምግላጽ ተቓውሞአን ኣስምዓ።
እታ ሰብነት ብግቡእ ንምስካምን ንምጥጣሕን ምእንቲ ክጥዕም ተዘርጊሓ ዝነበረት ዓባይ-ዓባይቶ፡ ካብተን ካልኦት ኣጻብዕቲ ተፈልያ ብዝርግሕታ ተረፈት፣ ኵሎም፡ እንተላይ እቶም ተዓዘብቲ ከኣ ፍሉይ ክስተት ብምንባሩ ተገሪሞም ተዓዘቡዎ። እቶም መተሃላልኽቲ ህዋሳት፡ ካልእ ነገራት ኣስተብሂሎም ሰሓቕ ክስዕሮም ደለየ። ክንዮ’ቲ ብሰንኪ ምፍላይ ዓባይ-ዓባይቶ ኣእዳው ዘይውጽኢታውያን ዝዀናሉ ምኽንያት፡ ብኣንጻሩ ነገራት ጨቢጥካ ናይ ምሓዝ ዓቕመን ኣሐየሎ። እንታይ ይብሃል’ዚ? ሕንዳለ! ሓደ ዓቕሚ ናብ ካልእ ዓይነት ዓቕሚ ይሰጋገር? ኵሉ ገረሞ።
ዕዉት ንምፍላይ ኣብ መንጎ’ቶም ክፍለ-ኣካላት ሓሙሽተ መዓልታት ዝወሰደ ውዕዉዕ ክትዕ ተኻየደ። ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ሓሳባትን ውሒዙ፣ ተዛተይቲ’ውን ዝከኣሎም እንተ ገበሩ፡ ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ዋላ ሓንቲ ክገብር ስለ ዘይክእል ዕዉት ንምፍላይ ኣመና ከም ዘጸግም ደምደሙ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ፍልስፍናዊ ትዕዝብቲ ዘበገሶ ሓድሽ ክትዓት ተላዕለ። “ብመሰረቱ ኣካል ዝብሃል እንታይ እዩ?” ናይ ኵሎም ሕቶ ነበረ። ኣካል ማለት ድማ ኵሎም ብሓባር ማለት ምዃኑ ክርድኦም ጀመረ። ነዚ ንምብራህ ከኣ ህላወን ተግባርን ናይቲ ሓደ ንህላወን ተግባርን ናይቲ ካልእ መሰረታዊ ምዃኑ፡ ሓደ ብዘይቶም ካልኦት ክነብር ከም ዘይክእል፡ ዝብል ናይ ሓባር መረዳእታኦም ኰነ።
ኣብ መጻኢ፡ ከምዚ ዓይነት ህልኽን ምጥምማትን ምእንቲ ከይፍጠር ግን፡ ኣእዳው ንላዕሊ ክዀና፡ ኣካል-ሰብ ከኣ ብእግሪ ደው ኢሉ ክኸይድ ወሰኑ። ኣካል (ሰብነት) በቲ ውሳነ ታሕጓሱ ድሕሪ ምግላጽ፡ መበቈሎም ንኽፈልጡ ግን ቈልዑ ብኣርባዕተ መሓውሮም ክኸዱ ክፍቀድ ኣተሓሳሰበ። ብድሕሪ’ዚ ምክፍፋል ዕዮ ብምግባር፡ እግሪ ምሉእ ሓላፍነት ምስካም ኣካል ክወስድን ካብን ናብን ከጓዓዕዝን፡ ኣብቲ ዝድለ ቦታ ምስ ተበጽሐ ከኣ ኣእዳው ክእለተን ተጠቒመን ኣቝሑ ምሓዝን ምዕያይን ዝኣመሰለ ዘድሊ ዕዮ ከካውና፡ መግቢ ድማ ከቐብላ ተገብረ።
ኣስናን ብወገኖም፡ ነቲ መግቢ ሓይኾም ንጐረሮ ከቐብሉ፡ ጐረሮ ከኣ ኣብ ከስዐ ከም ዝበጽሕ ይገብር። ከስዐ ብስርዓተ መሕቀቒኡ ኣቢሉ ከም ዝሓቕቕን ናብ ኵሉ ውሻጠታቱ የብጽሕን፡ ኣብ መዓላኡ ከም ዝወዓለ’ውን የረጋግጽ። እቲ ዘየድሊ ክፋል መግቢ ከኣ ናብ ስርዓተ መጕሓፊ የብጽሕ። ኣብ ሓመድ ከም ዝክዖ ብምግባር ድማ ተመሊሱ ንፍርያምነት እቲ ሓመድ የሀብትም። ብእኡ ድማ ኣታኽልቲ ይዓብዩን ዝያዳ ይፈርዩን። እንደገና ድማ ኣእዳው ስርሐን ይሰርሓ፡ ንዝበሰለ ፍረ ይለቕማኦን ከም ዝብላዕ ይገብራኦን። ዑደት ህይወት ድማ ከምዚ እናበለ ይቕጽል።
ጸወታ፡ ምዝንጋዕን ሰሓቕን’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምክፍፋል ተኻይድሉ ከም ዝፍጸም ተገብር። ደርፊ፡ ሰሓቕን ዘረባን ዕማም ኣፍ ጥራይ ክኸውን፣ ጉያ፡ ጸወታ ኵዕሶ፡ ከኣ ዝያዳ ኣእጋር ሓላፍነት ክወስዱሉ፣ ኵዕሶ መርበብን ኵዕሶ ሰኪዐትን ንኣእዳው ጥራይ ክግደፍ፣ ኣብቲ ጕያን ምንቅስቓስ ዘድልየሉ ሸነኽጥራይ ግን ኣእጋር ክዋስኡ፣ ኣብ ጸወታታት ኣትለቲክስ እቲ ሜዳ ዳርጋ ኵሉ ንኣእጋር ክግደፍ ዝብል’ዩ። እዚ ንጹር መምርሕን መደብ ዕዮን ከኣ ኣካል ወዲ-ሰብ ሓደ መስተንክራዊ ዝዀነ ህይወታዊ ማሽን ክኸውን ኣኽኣሎ። እቶም ዓበይቲ እንስሳታት ከይተረፈ ንዝገብሩዎ ብመጠንን ጽፈትን ክበልጾ ኣብቅዖ።
እዚ እናዀነ ግን ክፍለ-ኣካላት፡ እዚ ቀዋሚ ስርርዕ’ዚ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ስምዒታትን ምትፍናንን ክፈጥር ከም ዝኽእል ስክፍታ ክስምዖም ጀመረ። “እቲ ኣብ ላዕሊ ደው ዝበለ ርእሲ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ክኸውን ዝተወሰነሉ እግሪ ዝበልጽ ምዃኑ፡ ዝተረፉ ኵሎም ኣብ ትሕተኡ ዘለዉ ክፍለ-ኣካላት’ውን፡ ኣገልገልቱን ብናቱ ሓሳብን መምርሒታትን ጥራይ ዝንቀሳቐሱን ገይሩ ክርእዮምን ክንዕቆምን ይኽእል’ዩ ዝብል ትሒም-ትሒም፡ እናሓደረ ዳርጋ ዓው ኢልካ ክዝረብ ጀመረ። ካብዚ ነቒሎም ድማ፡ “ንኣቃውማ ክጥዕም እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዓይኒ ስልጣን እንክርአ፡ ኵሎም ህዋሳት ማዕረ እዮም!” ዝብል መግለጺ ብወግዒ ኣስምዑ። እዚ ማለት ድማ፡ ሓጐስ ይዅን ቃንዛ ናይ ሓደ ህዋስ፡ ንኻልኦት’ውን ብማዕረ ከም ዝብጽሖምን ክስምዖም ከም ዝግባእን ኣስመሩሉ። መልሓስ ከኣ ብፍላይ፡ ዝዀነ እትዛረቦ ዘረባ፡ ንምሉእ ኣካል ዝውክል እምበር ንበይና ጥራይ ዝምልከት ከም ዘይኰነ ምስናይ ተሪር መጠንቀቕታኡ ኣተሓሳሰቡ። ብሓባር ድማ ከምዚ ዝብል መዝሙር ኣስምዑ፤
ኣብ ኣካልና
የለን ኣገልጋሊ
ኣብ ኣካልና
የለን ተገልጋሊ
ኣገልገልቲ ባዕልና ተገልገልቲ
ንሕና ብንሕና የብልናን መቓሊ
ሓዙኒ ሓዙና
መልሓስና ልሳንና
ከነጥዒ ኣካልና
ሓድነት መልክዕና።
ሓዙኒ ሓዙና
ሓባር’ዩ ግብርና
ንኣካል ጥዕና
ሓባር’ዩ ዕዮና
ሓድነት ሓይልና።
እዚ ድማ ወግዓዊ መዝሙር ኣካል ኰነ። ኣካል ድማ ነዛ ካብ ካልኦት እንስሳታትን ሰውራ ትኽሎ ዝተሓሰሙን ኵሎም ዝፍለየላን ብቕዓቱ ዝገልጸላን መዝሙሩ ክሳብ ሎሚ ይዝምራ ኣሎ። ካልኦት ኣርባዕተ ዝመሓውሮም እንስሳታት ከምዚ ዓይነት ሰውራ ኣየካየዱን። ምድራፍ ንዓታቶም ኣይንታዮምን እዩ። ኣፍ ማለት ከኣ መብልዒ ጥራይ እዩ። ጸኒሖም ድማ ናይ ተፈጥሮ ‘ዓቃባዊ ሰልፊ’ መስረቱ። ኣብ ናቶም ክውንነት ጸኒዖም ድማ ልምዶም ምቕያር ኣበዩ።
ሰባት፡ ካብ ስርዓተ ዕዮ ክፍለ-ኣካላት ክመሃሩ እንከለዉ ግብሮም ጽቡቕ እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ ከም ውግእ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ንኣብነት ርእሲ፡ ርእሲ ካልኦት ክኸውን፡ ክፍለ-ኣካላት ተጎራሪሖም፡ ሓደ ኣብ ርእሲ’ቲ ካልእ ኰይኖም ክርኣዩ እንከለዉ፡ ሰባት ነቶም ሰውራ ትኽሎ ዝነጸጉ ናይ ቀረባ ደቂ ሓወቦታቶም’ዮም ዝመስሉ።
Akedir Ahmedin is a short story writer, playwright, and engineer by profession. He has published a book of short stories and a translation of Nikolai Gogol’s, The Inspector General.
You must be logged in to post a comment.